15/04/2025
ጽገ ተኽለሰንበት(ብጫ)መን እያ?
ስነ-ጥበበኛ ጽገ ካብ ኣቡአ ኣቶ ተኽለሰንበት ኪዳነን፡ካብ ኣዲአ ወይዘሮ ገሪማ ተፈርን፡ኣብ 1963 ዓመተ-ምህረት ኣብ ኣስመራ ሰኒታ ተወሊዳ፡፡ዕድሚአ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣማኒኤል ቀዳማይን፡ካልአይን፡ክፍሊ ምስ ተማህረት፡ብድሕሪ እዚ ናብ ኣኽርያ እንዳ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ብምቕያር ትምህርታ ክትቅጽል እንከላ፡ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳ ገብሪኤል ብምቕያር ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ድሕሪ ምምሃራ፡ካልአይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ መረብ ተማሂራ፡፡
ኣብ 1978 ንሜዳ ብምዉጻእ ድሕሪ ግቡእ ወታሃደራዉን፡ፖሊትካዉን፡ታዕሊም ምዉሳዳ ኣብ ብርጌድ 23 ተወዚዓ ዉድባዊ ግቡአታ ክትፍጸም ጀመረት፡፡ብዝነበራ ሕዱር ክእለት ናይ ስነ-ጥበብ ፈለማ ኣብ እንዳ 81 ክትሳሓብ እንከላ፡ጸኒሓ ናብ እንዳ 84 ተሳሒባ፡ክእለታ ኣዝዩ ዘደንቕ ስለዝነበረ ኣብ መወዳእታ ናብ ጨንፈር ማእከላይ ባህሊ ወይ ባህሊ ዉዱብ ተሳሒባ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣዝዩ ተዘካሪ ስራሕ ኣፍረየት፡፡
ጽገ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ደርፍን፡ድራማን፡ክትነጥፍ ጀመረት፡፡እታ ድሕሪ ናጽነት ዝደረፈታ ደርፊ"ስየ ለይለይ"ክሳብ ሎሚ ካብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣይሃሰሰትን፡፡ጽገ ኣደይ ብጫ ጌና ብንእሽትአ እንከላ እያ ኣብ ገጀረት ሳንፍራንቸስኮ እንዳ ሶራ ምድራፍን፡ምዉሳእን፡ጀሚራ፡፡ጽገ ኣደይ ብጫ ብዙሓት ተዘከርቲ ዕዮታት ዝሰረሓት እያ፡ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ማይ፡ንእሽቶ ሓወይ ክንዲ ሓሙተይ፡ትማሊ፡.,.ወዘተ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሓት እያ ሰሪሓ፡፡ጽገ ኣዝያ መሃዚት፡ንዝሓዘቶ ጠባይ ልዑል መሃዝነት እተንጸባርቕ፡ጠባያታ በበይነን ክኾና ከይተሓዋወሳአ ብምስትዉዓል ትሰርሕ፡ኮይና እምበር መሲላ ዘይትቐርብ ኣርሓ ስነ-ጥበበኛ ተዋሳኢት እያ፡፡ጽገ ኣደ ሓንቲ ዉልድቲ እያ፡፡ጓላ እዉን ሃብሪማ ኣሰር ኣዲአ ሒዛ ንፍዕቲ ተዋሳኢት ኮይና ኣላ፡፡ጽገ ኣደይ ብጫ ኣብ ማሕበራዊ ሂውታ ኣዝያ ሕዉስቲ፡ተጫራቒት፡ምሕብርቲ ሰብ እያ፡፡ንጽገ ዕድመ ጥዕናን ይምነየላ፡፡
Quada quadinoy
ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡14-04-2025
ኣስመራ