26/08/2026
🚩 ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዝረአ ዝዓበየ ቀልዲ፡ "እቲ ቡኻርያ ጤል ንምብላዕ ኣፉ ይስሕል የለን" ኢሎም ዝኣምኑ ፖለቲካዊ የዋሃት ምርኣይ እዩ። ህወሓት «ጉዳይ ግዝኣት ሕጂ ኣጀንዳና ኣይኮነን» ኢሉ እንትሕሹዅሹኽ፡ «እቶም ናትና ኣሕዋት» ብናይ ሓጎስ ስካር ፍንዲቕ ፍንድቕ ይብሉ። ግና ናይ ፖለቲካ ፊዚክስ ሓቂ ቐሊል እዩ፤ ናይ ህወሓት ኣጀንዳ ቑፅሪ 1፡ ቑፅሪ 2ን ቑፅሪ 3ን ናይ ኣምሓራ ግዝኣት ምጥቅላል እዩ። ምስዞም ናትና «ደናቑር መሻርኽቲ» ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ምቕማጡ ድማ ካልእ ፍቕሪ ደልዩ ከይኮነስ፡ ነቲ መሬት ንምውሓጥ ዘኽእሎ ድልድል ንምህናፅ እዩ። "ጉዳይ ግዝኣት ቀዳማይ ኣጀንዳ ኣይኮነን" ዝብል ተረት ቆልዑ ዘውርዩልና ሰባት፡ ባዕሎም ንህወሓት ናይ ምሳሕ ዕድመ ቀንዲ መኣዲ ምዃኖም ኣይተረድኦምን።
🚩 ፅባሕ ኩነታት ክምቸወሉ ከሎ ነቲ መሬት ጥራሕ ከይኮነስ፡ ነዞም «ብሓባር መበላሸውቲ» ዝኾኑ የዋሃት ኣሕዋት ብሕሱር ናይ ድርድር ሳንቲም ለዊጡ እንትሸጦም፡ ህወሓት 'ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ ሃሪመ' ኢሉ ንዓመት ዝኣክል ብሓጎስ ክዕንድር እዩ። ነዚ ፈሊጥካ "ምስኡ ክንሰርሕ ኢና" ምባል፡ ርእስኻ ንግዳይነት ኣዳልዩ ንዝብኢ ከም እንስሳ ዘቤት ገይርካ ናይ ምቕራብ ዝኣክል ዝጨነወ ፖለቲካዊ ዕሽነት ኣበሳ እዩ።