Seferat Adigrat

Seferat Adigrat About Adigrat

02/07/2026

ብትክክል ዝገመተ 1,000 ቅርሺ ይሽለም!

ወልዋሎ ዓዲግራት ዩንቨርሲቲ ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ
ኣብ አዳማ ሳ/ቴ ስታዲየም 🏟️
ሓሙስ ሰዓት 9:00

ኣብ 1948 ዓ.ም ዝተመስረተት ጋንታ ወልዋሎ ሎሚዓንቲ ምስ ኣብ 1926 ዓ.ም ዝተመስረተት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ መወዳእታ ሰሙን ናይዚ ዓመት ወሳኒ ጨወታ ከተካይድ እያ።

ጋንታ ወልዋሎ እተሳልጦ ጨወታ ስዒራ ሙሉአ 3 ነጥቢ ወይ ማዕረ ተፈላልያ 1 ነጥቢ አፅዲቃ እንድሕር ዳኣ ወፅያ አብዚ ሊግ ከም ትፅንሕ ሙሉእ ንሙሉእ ብቅልፅማ ክተረጋግፅ እያ።ደገፍቲ ወልዋሎ እውን አብዚ ወሳኒ ጨወታ ኣደማ ከተማ ብቢጫ ማልያ ከም ዘድምቅዎ እምነትና እዩ።

ሰናይ ዕድል ይምነ Goyta Agame

ማልያ ትደልዩ ደገፍትና ሎምዓንቲ ኣብ 22 ካንትሪ ላውንች ክትረክቡ ትክእሉ ኢኩም።

ስልኪ ቁ ☎️
0984902821
0989132366
0910987922
ይደውሉ።

ወልዋሎ ዓጋመ ናይ ሰሜን ንጉስ 👑

23/06/2026
14/06/2026

ኣርቲስት ሓጎስ ገብረሂወት ብ 1951 ዓ.ም ኣብ ዓጋመ ካብ ከተማ ዓዲግራት ውፅእ ኢልካ እትርከብ ጣብያ ስደይቶ ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ዘውዲቱ ተፈሪ ካብ ኣብኡ አይተ ገብረሂወት ወ/ስላሴ ተወሊዱ።

ሓጎስ ምስ መሓዙቱ ከም ማንም ቆልዓ ኣብ ስደይቶን ኣብታ ካብ ልቡ ዘዝየመላ ከተማ ዓዲግራት እናተጫወተን ትምህርቱ እናተምሃረን ዓበየ።

ሓጎስ ሶማልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረርትሉ ጊዜ ትምህርቱን ጊዜ ንእስነቱን ዘሕለፈላ ዓዲግራት ገዲፉ ብሄራዊ ውትድርና ተፀምቢሩ።1971 ክሳብ 1980 ኣብ ምስራቅ እዝ ብሙዚቃ ኪነት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

1980 ብቲ ዝነበረ ስርዓት ተኣሲሩ ካብቲ ዝነበረ ምስራቅ ዕዝ ለቂቁ ክሳብ ውድቀት ደርጊ ብግሉን ምስ ናይ ስራሕ ምሓዝኡ ዝኮነ ከያኒ ኪሮስ ኣለማዮ ብሙኳን ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ አብፂሖምዎ እዮም።

ድምጻዊ ኣያና ሓጎስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ( ኢዶእ ፣ቆልዓ ዓጋመ፣ደቀ ዓደይ ፣ የዒስ ኣቦ ፣ ሰብ ሙካነይ ፣ ማሰ፣ መስቀልና ፣ ገርሙኒ ፣ ልቢ ግበራ ፣ ኣይትርሓቀኒ ፣ ደብዳበይ ይብፃሕኪ ፣ መሓዛይን ሰላም ኩንለይን ) ወዘተ...ዝኣመሰሉ ጥዑማት ደርፊታት ብምድራፍ ኣብ ዉሽጢ ኣፍቀርቲ ሙዚቃን ሰማዕቲ ሙዚቃ ትግርኛን ሓያል ፍቅሪን ክብሪን ኣትሪፉ እዩ።

ድምፃዊ ኣርቲስት ሓጎስ ቀዲሙ ዝነቅሐን ስምዒትን ጓሂን ህዝቢ ትግራይ ብግልፂ ዝገለፀ ስነ ጥበባዊ እዩ።

#ኢዶእ
ኢዶእ በለ ትግራዋይ አየ ጓዶ
ረሲዖምዎ ዶ
እዚ ኩሉ መስዋእቲ
የማን ፀጋም ክብሉ ላዕሊ ታሕቲ
ዝኮነን ዘይኮነን መመክነይቲ
ፋሕ ጭንግራሕ ክብሉ ከም ደቂ ዛርቲ
አሕሊፎም ክቡና ንፀላእቲ ዘይተርፎም ኩሎም ተሓተቲ።

አለው 'ታ ፅባሕ ዝሕተቱ
በዕፅምቲ ጀጋኑ ዝፃወቱ
ፍረ ቃልሲ ብርሃን ዘፀልሙቱ
መን ክነብር ምስ ደመኛታቱ
ሕደጉ ዶ አይበልናን ብጊሓቱ።

አታ ሓፋሽ ህዝቢ ትሪኦም ዶ ኣለካ
ኣታ ጅግና ህዝቢ ትሰምዕ ዶ ኣለካ
ኩሉ ምስረኩቡ ብሳላካ
በዕፅምቲ ደም ስውኣት ደቅካ
ክንዲ ዋልታ ማእገር ዝኮኑካ
ከይበላዕካ በሊዑ ዝብሉካ
ክፅልምቶም ከሎ ዝደልዩካ
ክወግሐሎም ከሎ ዝሰጉካ
ክንደይ ጊዜ ክቆስል ከብድካ
በትሪ አብ ኢድካ ተመን አብ እግርካ
ፈፈሊካ አግልሎም እናማሓካ።

እስኪ ሕደግኒ ጥዕምቲ ክራረየ አይተላዕልኒ
እስኪ ሕደግኒ ጥዕምቲ ክራረየ አይተላዕልኒ
ባዕለይ ይፈልጦ እየ ብዙሕ ከምዝብሉኒ
ዳነይ ቅበፅኒ ከይተዳጉንኒ።

ድምፃዊ ሓጎስ ገብረሂወት ንቋንቋ ትግርኛ፣ባህልን ዓዱን ዝነበሮ ፍቅሪን ክብርን ኣብ መላእ ትግራይን ዓለምን ንክፍለጥ'ውን ዓብይ ሚና ካብ ዝተፃወቱ ስነ-ጥበባውያን ሓደ እዩ ነይሩ ።

ቆልዓ ዓጋመ ወልዱ ሱባጋድስየ
ልብኺ ንልበይ ኣቢልዎ ጥሕስየ
ከይቐትለኒ ግበርለይ ዋሕስየ።

ድምፃዊ ሓጎስ ገብረሂወት ዝደረፎም ደርፍታት ኩሎም ረዘንትን ፣ዓብይ ምስጢራት ዝሓዙ ደርፍታትን እዮም ። ኣያና ብሓቂ ምስጠር ስነ-ጥበብ ኣፀቢቁ ዝፈለጠ ፣ ትግርኛ ሙዚቃ ኣብ ፅቡቅ ደረጃ ዘብፀሐ ወላዲ እዩ ነይሩ ፣ ሓጉሻ ብህይወት እኳ እንተሓለፈ ንዘልኣለም ዘይሃስስ ዝነብር ሓድጊ እዩ ገዲፉልና ፣ ሓጉሻ ኣይሞተን እንተበልና'ውን ምግናን ኣይመስለንን።

✍️ Goyta Agame

12/06/2026

ኣብያታር_ሆቴል ግርማ ዓጋመ 🔥
በዓል ዓቅልን በዓል ፃዕርን ኩሉ ጊዜ ይዕወት!.....................................
ከተማ ዓዲግራት አብ ዓመት ሓደ ጊዜ መስቀል እንትመፅእ ከሎ ጥራሕ ስራሕ እትሰርሕ ከተማ ፤ ብድፍረት ኒሕን ሐቦን ወነ ሒዙዎም "ደረጅኡ ዝሐለወ ሆቴል " ምስራሕ ማለት ፤ ተወፋይነት ፣ቅንዕና፣ፍቅሪ ህዝብን ዓድን ብዓብይኡ ድማ ፃዕሪ ይሓትት ።

ትርፊ ዝርከቦ አብ አዲስ አበባን ካልኦት ከተማታትን እዩ ግደፉ ፤እናተብሃሉ አቕቢፆም ዋላ ይስኣን ኢሎም አብ ዓዶም ምስ ህዝቦም ዝሰርሑ ሙቑሉላት ፈተውቲ ዓዶም ዝኾኑ በዓል ዋና ሆቴል ክቡር ኣያና አይተ ንጉሰ ተኣምራት ከየድነቅክዎም ኣይሓልፍን።

ኣብያታር ሆቴል ካፍቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ደረጅኦም ዝሓለው ግርማ ዓጋመ ዝኮኑ ሆቴላት ሓደ እዩ።ኣብ ዓዲግራት ንልዕሊ 80 ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ኩርዓት ዓጋመና (ትግራይና) 'ውን እዩ ።

ኣብ ሆቴል ኣብያታር
➺ ፅሬትን ፅፈትን ዘለዎም ዓራት
➺ ምችዋት ካፌን ሬስቱራንትን
➺ ዘመናዊ ህድእ ዝበለ ክላሲክ ባር
➺ብፕሮፌሽናል ሼፍ ዝስሩሑ ኣዝዮም ሙቁራት ምግብታት መስተታት ፣ ሙዕሩግ መስተንግዶን ይርከብዎ !!

ሰናይ ናይ ስራሕ ጊዜ ክኮን ይምነ 🙌🔥
✍️ Goyta Agame

09/06/2026


ህይወት ታሪኽ ወዲ ፋንቴ

ይፍጠር ፈንታ ዝርእዮ ዘሎ ኩሉ ኣብየት ሕልሚ ተዝገብረሉ ክንደይናይ ዕድለኛ ምኾነ። እንተኾነ ግና ምፅላል ምፅላል ኢልካያ ኢሂን ናብ ዘይትብለካ ናብቲ ኩሉ ዘይተርፈላ ዓዲ ሞት ብጋህዲ ከይዳ እያ። ገሃን መሃን ተርእዮ ተርኣየ።

ሬሳ ምፅላል ብዘይ ዓሌተ ዘመድ ሓመድ ድበ ክፋኖ ስምባደ ብዝወረሮም ህዝቢ እታ ቑሸት ተዓጂቡ ኣብ ጥቓ እታ ቤተክርስያን እንትዓረፍ ነብሶም ከምትምት ኢልዎም ካብ መንገዲ ዕልምልም ዝተመልሱ ወለዳ ሕሬት ዓይኒ ረኣዩ።

ብዘይካ ውሑዳት ዓበይቲ ኣንሽቲን ክልተ ኢዶም ብተሓዝቲ ዝተዓተረ ወለዳን ዝበኪ ኣይነበረን። ተወላዲት እቲ ዓዲ እንተትኾን ቅድሚ ብተብተብ ምግናዛ ሬሳኣ ርእዮም ናብ ዝቐብፅዋ 'ዳኣቦ ዳእኖ ዓዲ ዓዲ መእወይቲ ተላኢ፡፡ም “ቆርናበሉኹምየ ኡይ... ያውይ... ምፅላል ጓል ጐይታይ ልጅ ሓለፎም “ዳጐይታይ ቀኛማቲ... እትውለድ ዓሪፋ 'ሞ ኣቃብሩናታ ይብልኹም ኣለውታየ ዉዉዉዉ ያኡይይይ..” ኢሎም ድባብን ፅላልን ዘሓዙ ዓሌተ ዘመድ ተፀዊዑ ሬሳኣ ኣብ ቀራና መንገዲ እናዕረፈ ቀብራ ብዝማረ ብኽያት ክንደይ ኮን ምዓምበረ።

ማይ ኪፍ ኪፍ እንትብል ሬሳኣ ከም ቐብሪ ክርስትና ዘይተልዓለ ህፃን ኣልዒሎም ክኸዱ እንትብሉ ይፍጠር ፈንታ ተልዒሉ ቁጠዐ ብዝተጎልበበ ድምፂ ወዬ ወዬ በለ።

“ኣታ ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ
ወዬ ወዬ ኣታ ወዬ እስኪ ወዬ
ወዬ ባ ኣታዮ ወዬ ደቂ ዓደየ
ወዬ እንትብል ዘይትብሉ ዋይዋየ
ንዋይዋየ ዶ ክኢላ ተደልይሊሉ
'ታይ ደኣ ዓድና ሕትም ትብሉ
ሞት ካብ ሞት ሌላ ተውፅኡሉ
ፈጣሪ ነቢዑ ዘይኣመሉ (ካፋ ዝናብ ብምኽፋዩ)

ንብዓት ሓሪምኩም እዝግዮ በሉ
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ

ወዬ ወዬ ምፅላልየ ኣንቲ ሓላልየ
ተመርዒኺ እምበረ ተመሪዕኺ ዶ ምተብሃልየ
ምትዓለለ እምበየ ምተብሃለ ላሌእላለየ እላለየ
ምተብሃለ ዶ ወዬ ወዬ ወዬ...
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ እስኪ ወዬ ሰብ ዓደየ

ወዬ ወዬ ምፅላልየ ዋይ 'ዛሓላልየ
ነብሳ ባ በሊዓ በላዒት ካብ 'ትባሃልየ
ወዬ ወዬ ወዬ...

ወሪዳ ተብሂሉ ናብ ማይ ሩባ
ቀልቢ መን ተሪፉ ዘይሰዓባ
ዝደኸመ ኣልዒሉ ምርኩሱ
ከማዕድዋ ደይቡ ናብ ናሕሱ
ፍሩያት ኣዒንታ ከይዕምታ
መን ዘይተማሕፀነ ኣብ ቅድሚታ። ወዬ ወዬ ወዬ

መስደመም መልክዓ ከምተስኣለ
ታኣምር ፈጣሪ ምተብሃለ
ኣብቲ ኣውደ ምህረት ከምተሰቐለ
ምተሳለሞ ማዕቲቡ መስቀለ
ምተዘከረ ስማ ምተባዓለ
ኩሑላይ ኣዒንታ ከይተኹሓለ
ጠሚቱ በሊዑ ዶ ምተብሃለ
ኣዒንቲ ፃድቃናት ከተንቁሩ
ዓዘራ ፀዊኹም ዘይንብሩ። ወዬ ወዬ ወዬ

ወዬ ወዬ ወዬ
ፀዓዱ ኣስናና ከይማዕመዓ
ፍሩያት ኣዒንታ ከይጨምጨማ
ዓይነ ብርካ ከይተትሓዘ
ንሓመድ ድበ እናተገንዘ
ፈጣሪ ታይ ዀይኑ ፈዘዘ
ፈጢርዋ ግዲ መሕጉማ ከይሓዘ
ኢዱ ናተሰብረ ዶ ይዋዘ
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ

ምፅላል ዶ ጠባብ ምፅላል ዶ ቡዳ
ስቕለት ፀይማ ቐዳም ጠሊቓ እኽሊ ኳ ዘይግዳ
ተሓምያ ብነብሲ 'ዛሕርምቲ ከብዳ
በሊዓትልና ኢሎም በሊዖምዋታ
ሽምባይ ክትበልዐሎም ሰብ 'ዳመታ
ብጡሙያ 'ትሕሰም ዓስቢ ጐይተታ
በላዒት ካብ ዝብልዋ ሸለል ኢላ ሞይታ።
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ

ዓዘራ ዶ ፀውያ ዘይናታ ሂባታ
ነዓይ ተሓሲማስ ነዓ ዶ ምበልዐታ
በሊዓትኒ ኢላስ ተለፋሊፋየ
ኣሽባይ ሰብ ዝብኢ ዝፈንፈናየ
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ

'ዛንጀራ ሕስምቲ ዋይ ዋይ ዝጉዳ
ሩባ ኣሳጊራማ ጭዋ ኣብሂላ ቡዳ

እንጀራ ደርቢኻ የብሉን ዓዘራ
ዒፍ 'ኳ ትበልዖ ጎይታ ዝፈጠራ
መንትዒ ቐታሊስ ደርባይ ዘረባ
ኣንታ ሰብ ጎቢኡ ፀዋይ ዓዘራ

ወዬ ወዬ ወዬ ወዬ
ምፅላልየ ዋይ ዛሓላልየ
ነብሳ 'ባ በሊዓ በላዒት ካብ ትባሃልየ
ወዬ ወዬ ወዬ ወዬወዬ

ወዬ ወዬ ወዬ
በሉ ሕርሚ ኣውፅኡ ቅበፁ ወለዳ
በላዒት ዝነብሳ ካብ ወለድኩም ቡዳ

ከይተልእኹ ክታብ ከይተልእኹ ዲን
ነብሱ ዝበልዐማ ኣይለፋለፍ ኣይድሕን

በላዒት በልዋኸስ ሎሚያ ዝበልዐት
ከብዲ ሰብ በሊዓ ቀተልታ ኣንበዐት።

ወዬ ወዬ ወዬ.. ኢሉ ካብ ብሕሱም ጓሂ ዝተዓፈነ ሕርቃኑ በኸዩ ከውፀአ 'ተበለ 'ኳ ሒቕታ ኮለፎ፡፡

እንተ ቀባሪ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ንብዓት ተሓፅበ። ቀብሪ ምፅላል ከም ቀብሪ “ዳካህን ከም ቀብሪ 'ዳዓበይቲ ዓፅሚ ብኣውያት ብኽያት ዓምበረ። ብቆላሕታ ፉሩይት ኣዒንታ ተደሚመን ዝፈዘዛ ኣዒንቲ ዓዲ፤ “ካብ መንገፍ፣ ካብ ሓበላ ዓይኒ የውፅእኽን! እንቱፍቱፍ ንባዕዲ” ኢለን ዝመረቓ ኣዒንቲ፤ ኩለን ንወዬን ፍሩያት ኣዒንታ ሓመድ _ እንትኽደና ደው ኢለን _ ረኣያ፡፡ ፍሩያት ኣዒንታ ክልተ ሻብ ተርአያ። ፈለማ ዓይኒ ኣፍዚዘን ከይዕመታ ሰብ እንትምሕፀነን፤ ካልኣይ በላዕቲ ወጋእቲ ተብሂለን ሰብ እንተሃድመን፤ ኣብ ሳልሳይ ግና ዋላ ሓደ ከይርእየን ንሰን'ውን ከይርእያ ንሓዋሩ ሓመድ ተጐልቢበን ደቀሳ።
ጥጅእ እዳጓላት ጓሂ ተፆመቈ።

ጠጃኦ በዓል ኣኸዛ ዘውዲ ንግስነአን ቀንጢጠን ኣብዝያ ነጠባ ኣብዝያእባ ተርአያ ናብ ዘይተብሃሎ መንገዲ ዕልምልም ምፅላል ዝነበረ ባዕለን ደኣ ዕልምልመን ከደኡ፡፡

በዓል እንዳጓላት ዓመት መፀ እንትኽበር ኣብዚ ዓመት _ እዚ ዘውፀኦኡ ደርፊ ኣብ ዙርያ ኣኸዛ ዘድሃበ ኰነ፡፡
“ኣኸዛየ ኣኸዛ ከይተስጥም ሒዛ
ከምብዋዛ ብዋዛ መጥፊኣ 'ባ ምሂዛ”
ኢለን ደረፋ እንዳጓላት ምግዓተንን ምድራፈንን ቐፀላ።
ብድሕሪ ምፅላል ፅላል እግሪ ዓውሒ መን ሰብ፤ ታዋይ ደፋር ዝርይበላ። ክንደይ ወግዒ ፍቕሪ ዝሰምዐት፤ ክንደይ ሰሓቕ ፀወታ ዝራእየት ዓውሒ ብርሑቕ ሰብ ሃደማ።

ሕሉፍ ሓሊፉ ምሕናቕ ምፅላል እናተብሃለት ክትፅዋዕ ምጅማራ ንይፍጠር ፈንታ ሕማም መርዘን ኰኖ። ጉልበቱን ፋስን ተሳንዮም ካብ ሱራ ፍሒሮም ከውድቅዋ ቆሪፆም ተልዓሉ። ይፍጠር ፈንታ ቆራሪፁ ምስ ፀፍፀፋ ምስ ዱርቋ ኣሳሚሩ ብምቕፃል ብሃልሃልታኣ እናሰሓነ ወዬ ወዬ በለ።

"ወዬ ወዬ ወዬ"
“ኣብዲየ ኣብዲ ኣብዲ ገደናና
ንስኺ ዶ ምኾንከና ጓና
ከይትደኒ ከይትኮኒ ሰውሒ
ተዓቢኺ ተገተርኪ 'ባ ዓውሒ

ትክሳዳ መቐነት ትውዕሎ
መሰለኪ ዶ ትፃወት ሸውላሎ
ተገቲርኪ ንባህ ኣይበሎ
ኣውዓልክኒ 'ባ ኣብዘይወዓሎ
ዛፍዛፎ ቖፅልኺ ሰኣነ ዘፅልሎ
ኣብ እግርኺ መን ክዝቲ ውዕሎ
ወዬ እምበረ መን ክብለልኪ ላሎ
ወዓልዮ በሊ ትንሳ ትውዕሎ
ጎናእኹኺ ኸስ ከምዘይ ትጥጥዒ
ብ'ዳ ማትኪ ስም ኸይትፅውዒ። ወዬ ወዬ ወዬ”

ኢሉ ወዬ በለላ። ሰብ “ይይ ንምፅላል ዝረኸባ ጋኔን ረኺብዎ የድርፎ 'ሎ።” እናበሎ ብድሕሪ እዚ ተጓንፎ እዚ ይፍጠር ፈንታ ምስ ምፅላል ሞተ፡፡
እምበኣር ብድሕሪ እዚ 'ዩ ይፍጠር ኢሉ ንዝፀወዖ ኣብየት ዘሕረሞ። ይፍጠር ምስ ምፅላል ምማቱ ኣወጀ። ን

ባዕሉ ብስመ ሓዱሽ ስም ሰየመ። ወዲ ፋንቴ ዝበለሉ ምክንያት እንትዛረብ “ይፍጠር እንተዀነ 'ውን ወለደይ ዘውፁኡለይ ስም 'ዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ሞይቱ። ወዲ ፋንቴ እየ እምበር ስም የብለይን።” ብምባል ወዲ ፋንቴ ብመስተ ኣጥሚቑ ብሽመት ዕብዳን ተቐፅላ እናተፀወዐ፤ ፅባሑ ቐቲሉ ስራሕ በዓል ከይፈለየ ስዋ ሰንበት፣ ስዋ ሰኑይ፣ ስዋ ሰሉስ ኢሉ እናሰተየ ኩለን
መዓልቲታት ብስዋ ኣጥመቐን።

ተወሊዱ ዝዓበየላ ቁሸቱ ቀሽሓት ኣጓነያ። ኣዋልድ ገረቡ ንዛ ዓይኑ ክርኤን ተፀየፈን። “ኣንሽቲ እንትበዝሓ ሓምሊ ቁራዕ _ የሕርራ፡፡” ዝብል ምሰላ “ሓምሊ ቁራዕ ዘሕረራ ሰብ ከሕርራ “ትመኽራ።” ብዝብል ምሰላ ኣማሓይሹ ውዕልኡ ሓንሳዕ ከተማ ብዘት ሓንሳዕ ድማ ከተማ ዓዲ ግራት ገበረ። ሰሓቕ ፀወታ ጠፈኦ፤ ተዘይ ሰትዩ ዘይዛረብ ኣብዲ ዀነ፡፡

ድሕሪ ነዊሕ ዓማውቲ ግና ኣቦኡ ኣይተ ፈንታ ብኣባት ነብሲ ኣገዚቶም ካብ ጣብያ መርጋሕያ ጓል ሰብ ኣምፂኦም ንወይዘሪት ኣምለሱ ኣመርዕውዎ፡፡ ይመርዖ ደኣእምበር ምስ መርዓቱ ኣምለሱ ስኒት ክረክብ ኣይከኣለን።

ምሳሕ ድራሩ ፀርፀር ዀነ። ጎየቓን በትርን ዘይፍለዮ ሓዳር ከቐኒ ኣይከኣለን። ወዲ ፋንቴ መሊኡ ገዛኡ ኣፅለኦ፡፡ ወይዘሮ ኣምለሱ ኣበባ ኢላ ስም ዘውፃአትላ ጓል እንተወለደትሉ 'ኳ ጓላ ሒዛ ኣስመራ ከይዳ ካሊእ ናብራ ኣጠሸት። ኣበባ ይፍጠር ጓል ወዲ ፋንቴ ኣብ ኣስመራ ሓዳር ኣጢሻ ሰለስተ ምውላዳን ነርሲ ምንባራ ይዝንተው፡፡

ወዲ ፋንቴ ድሕሪ ዓመታት ኣስመራ ብምኻድ ምስ መዋቕዕቲ ከበሮኡ ኣይተ ሃይለ ካሕሳይን ኣይተ ደብለቀው ንጉሰን ኣብ ሓደ ገዛ እናነበሩ ዓረብያ እናደፍኡ ይመሓዳደሩ “ኳ እንተነበሩ ወዲ ፋንቴ መስተይ ተሰሪሑ ዓረብይኡ ደርብዩ እንዳመስተ ምኻድ ዀነ ኣውራ መዓልታዊ ዕዮኡ፡፡

ኣብ ባፅዕ ኣብ ምርጋፍ _መርከብ ይሰርሕ እንተነበረ “ኳ ደምቢ ብዘይምኸባሩ ኮብራሪ ስራሕ እንትስእኖ ወዲ ፋንቴ ብግዲኡ ስኑ ኣስኢኑ ተሰናበቶ። ናብ ዓዲ ግራት መፂኡ ካብ ዓዲ ግራት ናብ ብዘት እናተመላለሰ ብፍላይ ምስ ደርጊ ዝነበሮ ፅልኣት እናሽሞረ፣ እናቐለደ፣ እናቐነየ፣ ንህዝቢ እናዘናገዐ በረንዳ ዓራቱ ገይሩ መስተ ተኸዲኑ ብረስኒ መስተ መይቁ “ናደቀሰ፤ ብመስተ እናነቐሐ፤ ብመስተ እናቐለደ ምንባር ናብራይ ኢሉ ሓዞ።

ወዲ ፋንቴ ብሰንኪ መስተ ሓሚሙ “ኳ ሆስፒታል ደቂሱ እንተነበረ መሊኡ ከይሕሾ ምስ ዓለባ ሆስፒታል ኣብ እንዳመስተ ተረኽበ። “ወዲ ፋንቴ ድሮ ሒሹካ መስተ ክትሰቲ?' እንትብልዎ ወዲ ፋንቴ “ከምዝሕሸኒ 'ማ ተለይሰትየ ብምንታይ ከረጋግፅ” ኢልዎም ምስታዩ ስታዩ ቀፀለ። ይስተ ደኣ እምበር ሰሙን ኣይቐነየን። ብሰንኪ መስተ ደኺሙ ኣብ 53 ዓመቱ 14 ጥሪ 1976 ዓ.ም ዓረፈ።

እወ ወዲ ፋንቴ ዓረፈ። ወዲ ፋንቴ ሞይቱ ዝብል እምበር ይፍጠር ፈንታ ሞይቱ ዝብል ዋላ ሓደ ኣይተረኽበን፡፡ ይፍጠር ፈንታ ባዕሉ ቀበሮ። ወዲ ፋንቴ ግና ህዝቢ ዓጋመ ብዓጀብ ቀበሮ። ስርዓተ ቀበሩ ኣዝማዱ ኣብ ዘይተረኸብሉ ብድሙቕ ስነስርዓት ኣብ 'ዳመድሓኒኣለም ቤተ ክርስትያን ከተማ ዓዲ ግራት ተፈፂሙ፡፡

1923 ዓ/ም - 1976 ዓ/ም

✍️ Goyta Agame

Address

London
London
1221

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Seferat Adigrat posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category